ኣብ ትሕቲ’ቲ ኣብ ማይ ከንሳፍፍ ዝርአ ኩምራ በረድ ብዙሕ ዝተሓብአ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ መሰረት ደሞክራስን ክብርታትን ኖርወይ ዝዀኑ ዘይረኣዩ ኣረኣእያታት/ኣጠማምታታት ኣለዉ።

ቈልዓ ምዕባይ

1 / 05
እንተድኣ ኣፋራሪህካ፡ ጸፊዕኻ ወይ ንቖልዑ ብጸጉሮም እንተስሒብካ፡ ወይ ካልእ ዓይነት ግህሰት ኣብ ልዕሊኦም እንተፈጺምካ፡ ንስኻ መሰሎም ትግህስ ኣለኻ!

ነቶም ዘይንደልዮ ተግባር ዝፍጽሙ ክንቀጽዖም ንኽእል ዶ?

ትምህርት

2 / 05
ወለዲ፡ ደቆም ዘይደልዩዎ ዓይነት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኣብ ልዕሊኦም ጸቕጢ ክገብሩ ይዅን ካብ ትምህርቲ ክሕርሙዎም ብሕጊ ኣይፍቀደሎም እዩ።

ወለዲ፡ ደቆም እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክመሃሩ ከም ዘለዎም ክውስኑሎም ይኽእሉ ዶ?

ሓርነት

3 / 05
እቶም ኣብ ህይወቶም ናጻ ኰይኖም ክውስኑ መሰል ዘይብሎም ሰባት፡ሓርነት’ውን የብሎምን። ኣብ ውሽጢ ብመረጼን ዝቘመ ገዛ ድማ’ዮም ዝነብሩ።

መን’ዩ ሓርነት ዘለዎ?

ጾታዊ መዓርነት

4 / 05
መሰል ማዕርነት ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ነፍሲወከፍ ሰብ እንታይ ክገብር ከምዝደሊ ክውስነሉ ዝኽእል፡ ጾታ ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ዘርብሕ እዩ።

እዚ ጾታዊ መዓርነት ድዩ - ንስኻ እንታይ ትብሎ?

ልዕልና ሕጊ

5 / 05
ልክዕ ከምቲ ሕጋጋት ልዑል ሞራላዊ ባህርይ ንምንጋስ ወይ ንምጽናዕ  ዘድልዩ፡ ሞራላዊ ባህርይ እውን ሕጋጋት ንምንጋስ/ንምጽናዕ የድልዩ እዮም።

ነዞም ዘይንደልዮ ነገር ዝገብሩ ወገናት ክንቀጽዖም ንኽእል ዶ?