ጾታዊ መዓርነት

4 / 05

መሰል ማዕርነት ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ነፍሲወከፍ ሰብ እንታይ ክገብር ከምዝደሊ ክውስነሉ ዝኽእል፡ ጾታ ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ዘርብሕ እዩ።

እዚ ጾታዊ መዓርነት ድዩ - ንስኻ እንታይ ትብሎ?

hvorfor norge

ስለምንታይ ኢኻ ንኖርወይ መሪጽካያ? ጾታዊ መዓርነት ከ ንዓኻ ኣገዳሲ ድዩ? ጾታዊ መዓርነት ማለት፡ ሃይማኖቶም፡ ብሄሮም፡ ወሲባዊ ዝንባለኦም ወይ ጾታኦም ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ኣድልዎ ምፍጻም ክልኩል እዩ። ኣብ ኖርወይ፡ ኣዋልድን ኣወዳትን፡ ኣሰብኡትን ኣንስትን ኵሎም ማዕረ ዕድላትን ማዕረ ምሰላትን ኣለዎም። እዚ ከኣ ንዅሉ መልክዓት ሕብረተ-ሰብ ይምልከት፦ ኣብ ስድራቤት፡ ኣብ ስራሕን ኣብ ቤት-ትምህርትን ይምልከት።

ጾታዊ መዓርነት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት እውን ሰፊሩ ይርከብ፣ እንተዀነ፡ ዋላ’ኳ ዝበዝሓ ሃገራት ነቲ ውዕላት እንተ ኸተማሉ፡ ብዙሓት ሰባት ዋላ ሓደ ገበናት ከይፈጸሙ እንከለዉ ኣብ ሃገራቶም ብገዛእ መንግስታቶም ወይ ብገለ ወገናት ሕብረተ-ሰቦም ይግረፉ፡ ኣብ ማሕቡስ ይዳጐኑን ይቕተሉን ኣለዉ። ግዳይ ዝዀንሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ዝዛረቡዎ ዘረባ ወይ ዝገብሩዎ ተግባር ነቶም መንግስታት ባህ ስለ ዘየብሎም፡ ወይ ድማ ብምኽንያት መንነቶም እዮም።

ጓል-ኣንስተይቲ ብዙሕ ግዜ ቦርሳ ትሕንገጥ፡ ምኽንያቱ እታ ናይ ብሓቂ ዝጠንከረት ሰብ ስለ ዝዀነት።

ባርባራ ቫለንቲን

ምናልባት በዚ ምኽንያታት’ዚ ተገዲድካ ካብ ሃገርካ ሃዲምካ/ወጺእካ ትኸውን? ምኽንያቱ ገለ ወገናት ንመሰላትካ ዝገፍፍ ተግባራት ኣብ ልዕሌኻ ስለ ዝፈጸሙ። ብዙሓት ካብቶም ሃዲሞም ናብ ኖርወይ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት፡ ምስ ናይ ኖርወይ ብምንጽጻር ካብ ፍጹም ዝተፈልየ ኣረኣእያታትን ባህልታትን ዝውንኑ ሕበረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ንክብረትን ዉርደትን ብቐሊል ዓይኒ ካብ ዘይጥመቱ፡ ንባህልን ልምድን ልዕሊ ሕጊ ኣብሊጾም ካብ ዝርእዩዎ ሕብረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ደቂ-ኣንስትዮ ክብረት ስድራቤተን ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ካብ ዝሽከማሉ፡ ብኣንጻሩ ክመሃራ፡ መጻምድተን ክመርጻ፡ ወይ ኣብ ህዝባዊ ክትዓት ክሳተፋ መሰል ካብ ዘየፍቅዱ ሕብረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም።

እዚ ኣድልዎ እዩ፣ ኣንጻር ጾታዊ መዓርነት እዩ፣ ምስቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ነገራት ድማ ዘይቃዶ እዩ። ኣብ ኖርወይ፡ ጾታዊ መዓርነት ኣዝዩ ጽኑዕ እዩ።

ሓንቲ ካብ ደቕኻ ምስ ደቂ መማህርታ ናብ መዓስከር/ካምፕ እንተ ትኸይድ እንታይ ምገበርኩዋ ኢልካ ትሕስብ? ደቅኻ ኣብ ድግስ ዕለተ-ልደት ናይ ሓደ ሰብ ክሳተፋ እንተ ዝዕደማ ኸ? ወይ ድማ ርእይቶአን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ እንተ ዝገልጻ ኸ? እንተድኣ ነቶም ኣወዳት ደቅኻ ገዲፍካ ንዓአን ጥራይ ካብዚ ዕድላት’ዚ ከልኪልካየን፡ ወይ ድማ እንተድኣ ግዳይ ምፍርራህን ጐነጻዊ ዓመጽን ጌርካየን፡ ከምኡ’ውን እንተድኣ ምስ መሓዙተን ከይከዳ ከልኪልካየን፡ ወይ ድማ ኣብ ናይ መዘናግዒ ንጥፈታት ከይሳተፋ ኣጊድካየን፡ ኣብ ልዕሊአን ኣድልዎ ትፍጽምን መሰላተን ትግህሰለንን ኣለኻ ማለት’ዩ። ከምኡ እንተዀይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ንስኻ ኣብታ ንስደት ክትወጽእ ዝተገደድካላ ሃገርካ/መበቆል ዓድኻ እንከለኻ ዝግበረልካ ዝነበረ ኣገባብ ኣተሓሕዛ/ኣተዓባብያ ጌርካ ኢኻ ተዕብየን ወይ ትሕዘን ዘለኻ ማለት’ዩ።

ድሕሪሕጂ ሰብኣይ መተካእታ ሰበይቲ ካብዝኸውን ሰበይቲ መተካእታ ሰብኣይ ክትከውን ይሓይሽ፡ ማዕረ ዕድላት ምህላው ማለት ማዕርነት ማለት ኣይኮነን።

ሲሞነ ደ ቢዩቮይር

ኣብ ኖርወይ ኵሉ ግዜ ጾታዊ መዓርነት ኣሎ ማለት ኣይኰነን፣ ጾታዊ መዓርነት ብምልኣት ንምርግጋጽ ገና ዝተወሰነ መንገዲ ተሪፉና ኣሎ። እዚ ይዅን’ምበር፡ ኖርወይ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝበለጸ ጾታዊ መዓርነት ዘለወን ሃገራት እያ። ደቂ-ኣንስትዮ ኖርወይ መሰላተን ንምርግጋጽ ብዙሕ ተቓሊሰን እየን፣ ሎሚ እውን ካብ ውሑዳን ስድራቤታት/ስደተኛታት ዝዀና ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኖርወይ ንመሰለን ክቃለሳ ጀሚረን ኣለዋ። እዚ ከኣ ቃልሲ ንመሰላት፡ ቃልሲ ኣብ ህይወትካ ዝመሰለካ ክትመርጽ ዘፍቅድ ሓርነት

Hvordan stemme?
Neste tema:
ልዕልና ሕጊ