ቈልዓ ምዕባይ

1 / 05

እንተድኣ ኣፋራሪህካ፡ ጸፊዕኻ ወይ ንቖልዑ ብጸጉሮም እንተስሒብካ፡ ወይ ካልእ ዓይነት ግህሰት ኣብ ልዕሊኦም እንተፈጺምካ፡ ንስኻ መሰሎም ትግህስ ኣለኻ!

ነቶም ዘይንደልዮ ተግባር ዝፍጽሙ ክንቀጽዖም ንኽእል ዶ?

ስለምንታይ ኢኻ ንኖርወይ መሪጽካያ? መሰላት ቈልዑን ቈልዑ ምዕባይን ከ ንዓኻ ኣገዳሲ ክብሪ ድዩ? ኣብ ኖርወይ፡ ንቈልዑ ምህራም ብሕጊ ክልኩል እዩ፣ ወለዲ ንደቆም ብውሑስን ጽቡቕን ኣገባብ ኣተዓባብያ ጌሮም ከዕብዩዎም ድማ ሓላፍነት ኣለዎም። ወለዲ ኵሉ ግዜ ንድሌታት ደቆም ዓቢይ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ኣለዎም፣ ኣብ ኖርወይ ህጻናት ብወለዶም ንኽስምዑ ዘለዎም መሰል ጽኑዕ/ተሪር ምዃኑ እውን ክግንዘቡ ኣለዎም።

መሰላት ቈልዑ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላትን ውዕል መሰላት ቈልዑን ዝሰፈረ እዩ። ልዕልና ሕጊ እውን ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰፈረ እዩ፣ እንተዀነ፡ ዋላ’ኳ ዝበዝሓ ሃገራት ነቲ ውዕላት እንተ ኸተማሉ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሃገራቶም/መበቆል ዕድታቶም ብገዛእ መንግስታቶም ወይ ብኻልኦት ወገናት ናይ ሕበረተ-ሰቦም ይግረፉ/ይቕጥቀጡ፡ ኣብ ማሕቡስ ይዳጐኑን ይቕተሉን ኣለዉ። እዚ በደላት’ዚ ዝበጽሖም ዘሎ ቈልዑ ድማ፡ እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ዝሰፈረ መሰሎም ይሕረሞም ኣሎ። ምናልባት ንስኻ’ውን ካብ ሃገርካ ወጺእካ ናብ ስደት ከተምርሕ/ክትሃድም ዘገደደካ ምኽንያት እዚ ዶ ክኸውን ይኽእል? ምኽንያቱ ገለ ወገናት ንመሰልካ ዝግህስ ተግባራት ኣብ ልዕሌኻ ስለ ዝፈጸሙ ሙሽ?

ቅድሚ ምምርዓወይ ወይ ሓዳር ምግባረይ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ዝምልከት ሽዱሽተ ክልሰ-ሓሳባት ነይሩኒ፣ ሕጂ ሽዱሽተ ቈልዑ ኣለውኒ፣ ክልሰ-ሓሳባት ግን የብለይን።

John Wilmot

ብዙሓት ካብቶም ተሰዲዶም/ሃዲሞም ናብ ኖርወይ ዝኣተዉ ሰባት፡ ምስ ናይ ኖርወይ ክነጻጸር እንከሎ ካብ ፍጹም ዝተፈልየ ኣረኣእያታትን ዝተፈልየ ባህልን ዘለዎም ሕብረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ንክብረትን ውርደትን ዝለዓለ ማሕበራዊ ቦታ ካብ ዝህቡዎም፡ ንባህልን ልምድን ላዕሊ ሕጊ ኣብሊጾም ካብ ዝርእዩዎም ሕብረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ኣብዞም ሕብረተ-ሰባት፡ወለዲ ንደቆም ብኣካላዊ ጐነጽ/ማህረምቲ እናቐጽዑ ከዕብዩዎም ልሙድ እዩ። እዚ ከኣ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኰይኑ፡ ኣንጻር ድሕነትን ውሕስነትን እዩ። ምስቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ነገራት ዘይቃዶ እዩ። ኣብ ኖርወይ፡ ወለዲ ንደቆም ኣካላዊ መቕጻዕቲ/ማህረምቲ እናተጠቕሙ ከዕብዩዎም ልሙድ ኣይኰነን።

ቈልዑ ክሕዙዎ ዘይግባኦም ነገር ክሕዙ እንተ ትርእዮም፡ እሞ ድማ ደቅኻ ኰይኖም እንተ ዝጸንሑ፡ እንታይ ምገበርካዮም/ምበልካዮም? ንዓኻ ይዅን ንኻልኦት ሰባት ብብዕሉግ ቃላት እንተ ዝጸርፉኻ ኸ? እንተድኣ ንቘልዓ ብኢድካ ኣብ ኣጻብዕቱ፡ ኣብ ኣእዳዉ ጠብ ኣቢልካዮ፡ ወይ ካልእ ዓይነት ኣካላዊ ጐነጽ ተጠቒምካ ቀጺዕካዮ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንመሰላቱ ዝግህስ ተግባራት ኢኻ ትፍጽም ዘለኻ ማለት’ዩ። ከምኡ እንተዀይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ንስኻ ኣብታ ንስደት ክትወጽእ ዝተገደድካላ

ሃገርካ/መበቆል ዓድኻ እንከለካ ዝግበረልካ ዝነበረ ኣገባብ ኣተሓሕዛ/ኣተዓባብያ ኢኻ ተዕብዮ ዘለኻ ማለት’ዩ። ኣካላዊ መቕጻዕቲ፡ ንነብሶም ኣትሒቶም ዝጥምቱዋ ውሕስነት ዘይስምዖም ሽቝሩራት ቈልዑ እዩ ዝፈጥር። ናይ ድቃስ ጸገም፡ ናይ ቀልቢ ምጥፋእ ጸገም፡ ከምኡ ድማ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም እውን ከኸትለሎም ይኽእል። እዚ ከኣ ኣብ ትምህርቲ ሓሚቖም ንኽተርፉን ምስ ኮተቱ ድማ ምስ ጉጅለታት ገበን ንኽጽንበሩን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

 

 

ብዙሓት ሕጊ ዝጥሕሱ ሰባት ኣብ ቤቶም ተመክሮ ናይ ግህሰት ባዕላቶም ዝፍጽሙ፡ ናይ ግህሰት መሰል ድማ ኣብ ደቆም ይንጻባረቕ እዩ።

ኣልተርናቲቭ ቲል ቮልድ

ብ ውዕል ኣብ መንጎ ወለድን ውላድን ዝግበር መቕጻዕቲ ንቆልዑ ኣካልዊ መህሰይቲ ብዘየውርድ ኣብ ኖርወይ ኵሉ ግዜ ብሕጊ ክልኩል ኣይኰነን፣ ኣብ መንጎ ቈልዓ ምዕባይን ጐነጻዊ መቖጻዕትን ዝህሉ መፈላለዪ መስመር ኣበይ ክኸውን ከም ዘለዎ ብልክዕ ንኽትርድኦ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝፍጸም ጐነጻዊ መቕጻዕቲ ዘይውሑስ ሕበረተ-ሰብ ይፈጥር፡ ገበናት የጋድድ፡ ባዕላዊ ፍርድን ሕሉፍ ጽልእን ኣብ ልዕሊ ካልኦት የስዕብ። ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ብምስታፍ ንሕብረተ-ሰብና ክትጸሉ ትኽእል፡ ቈልዑን መንእሰያትን ንኽዓብዩ ከመይ ዝበለ ሕበረተ-ሰብ እዩ ዘድልዮም ኣብ ዝብል ጉዳይ ጸላዊ ተራ ክህልወካ ይኽእል።

Hvordan stemme?
Neste tema:
ትምህርት