ሓርነት

3 / 05

እቶም ኣብ ህይወቶም ናጻ ኰይኖም ክውስኑ መሰል ዘይብሎም ሰባት፡ሓርነት’ውን የብሎምን። ኣብ ውሽጢ ብመረጼን ዝቘመ ገዛ ድማ’ዮም ዝነብሩ።

መን’ዩ ሓርነት ዘለዎ?

ስለምንታይ ኢኻ ንኖርወይ መሪጽካያ? ሓርነት ከ ንዓኻ ኣገዳሲ ክብሪ ወይ ባእታ ድዩ? ኣብ ኖርወይ፡ መሰል ሓርነት ደቂ-ሰባት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝሰፈረ ጉዳይ እዩ፣ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ድማ ኣብ ህይወቱ ዝማእምኦ ክመርጽን ባዕሉ ክውስንን መሰል ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓርነት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ይርከብ፣ እዚ ማለት ከኣ፡ ጾታኡ/ጀንደሩ፡ ብሄሩ/ቀቢላኡ፡ ሃይማኖቱ ወይ ወሲባዊ ዝምባለኡ ብዘየገድስ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ካብ ማህጸን ኣደኡ ክውለድ እንከሎ ናጻን ማዕረን ኰይኑ ይውለድ።

ሓርነት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰፈረ እዩ፣ እንተዀነ፡ ዋላ’ኳ ዝበዝሓ ሃገራት ነቲ ውዕላት እንተ ኸተማሉ፡ ብዙሓት ሰባት ዋላ ዝዀነ ገበን ከይፈጸሙ እንከለዉ ኣብ ሃገራቶም/መበቆል ዓዶም ብገዛእ መንግስታቶም ወይ ብገዛእ ወገናት ሕብረተ-ሰባቶም ከም ገበነኛታት ይግረፉ፡ ኣብ ማሕቡስ ይዳጐኑ፡ ከምኡ ድማ ይቕተሉ ኣለዉ። እዚ ከኣ እቲ ዝዛረቡዎ ወይ እቲ ዝገብሩዎ ዘበለ በቶም መንግስታት ስለ ዘይፍቶ እዩ፣ ወይ ድማ ብሰንኪ መንነቶም እዮም ግዳይ ዝዀኑ።

ከም ሓርነት ዝበለ ነገር ከቶ የልቦን

ኔልሰን ማንዴላ።

ምናልባት በዚ ምኽንያታት’ዚ ተገዲድካ ካብ ሃገርካ ናብ ስደት ኣምሪሕካ ዶ ትኸውን? ምኽንያቱ ገለ ወገናት ንመሰልካ ዝግህስ ተግባራት ኣብ ልዕሌኻ ስለ ዝፈጸሙ። ብዙሓት ካብቶም ሃዲሞም ናብ ኖርወይ ኣትዮም ዘለዉ ስደተኛታት፡ ምስ ናይ ኖርወይ ብምንጽጻር ካብ ፍጹም ዝተፈልየ ኣረኣእያታትን ዝተፈልየ ባህልታትን ዘለዎም ሕብረተ-ሰባት እዮም መጺኦም። ንክብረትን ውርደትን ዝለዓለ ማሕበራዊ ቦታ ካብ ዝህቡዎ፡ ንባህልን ልምድን ልዕሊ ሕጊ ኣብሊጾም ካብ ዝርእዩዎ ሕብረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ዉልቀ-ሰባት ድሌታት ስድራቤቶም ንምምላእ ክብሉ እሙናትን ምእዙዛትን ክኾኑ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም፡ ከምኡ ድማ ኣብ ህይወቶም ናጻ ኰይኖም ክውስኑ መሰል ካብ ዘየፍቅዱ ሕበረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ቁልዑን መንእሰያትን እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ብኡ መጠን ሓርነቶም እናነከየ ካብ ዝኸደሎም፡ ዉልቀ-ሰባት ንክብረት ስድራቤቶም ዝብርዝ ውርደት ከየምጽኡ ጽኑዕ ቁጽጽር ካብ ዝገብሩሎም ሕብረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም።

ናይ ዘጋጠመካ ውርደት ሕነ ምፍዳይ፡ ኣንጻር ልዕልና ሕጊ እዩ፣ ምስቶም ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ነገራት ድማ ዘይቃዶ እዩ። ኣብ ኖርወይ ሓርነት ጽኑዕ እዩ፣ ኣብ ኖርወይ ቈልዑን መንእሰያትን እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ፡ ብኡ መጠን ድማ ሓርነቶም እናወሰኸ ይኸይድ። ጓልካ ምስ ሓደ ወዲ ክትዘውር ርኤያ ኢሉ ሓደ ሰብ እንተ ዝነግረካ እንታይ ምገበርካ ወይ እንታይ ምበልካ? ወይ ድማ ሓደ ካብ ኮተቴታት ደቅኻ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ግን ከኣ ክትስዕቦ እትብህጎ ሃይማኖት ከምልኽ እንተዝጅምር እንታይ ምገበርካ?

 

እንተድኣ ግዳይ ምፍርራህን ጐነጻዊ መጥቃዕትን ትገብሮም ኰንካ፡ እንተድኣ ምስ ኣዕሩኽቶም ከይከዱ ትኽልክሎም ኴንካ፡ እንተድኣ ንዕለታዊ መዝገቦም፡ ኮምፕዩተሮምን ቴለፎኖምን ትፍትሾ ኴንካ፡ ንመሰሎም ዝግህስ ተግባራት ኣብ ልዕሊኦም ትፍጽም ኣለኻ ማለት’ዩ። ከምኡ እንተዀይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ንስኻ ኣብታ ናብ ስደት ክትወጽእ ዝተገደድካላ ሃገርካ እንከለኻ ዝግበረልካ ዝነበረ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ጌርካ ኢኻ ትሕዞም/ተዕብዮም ዘለኻ ማለት’ዩ።

ደረት-ኣልቦ ናጽነት፡ ንገዛእ-ርእስና ናብ ውርደት እነቃልዓሉ ዓይነት ናጽነት እዩ

ካትሪን ኣስፓስ

ኣብ ኖርወይ ኵሉ ሰብ ኵሉ ግዜ ሓርነት ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፣ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ንክብረት ስድራቤተን ወይ ንክብረት በዓል-ቤተን ብዘይትክፍ ኣገባብ እየን ተቐይደን ዝኸዳ ነይረን። ኣብ ኖርወይ፡ ሓርነት ናይ ኵሎም ሰባት ክረጋገጽ ዝኸኣለ ብመገዲ ደሞክራሲያዊ መስርሕ እዩ። ኣካል ናይ’ቶም ውሑዳን ህዝብታት ከም ምዃንካ መጠን፡ ናይ ምድማጽ መሰልካ ክትጥቀመሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ እንተ ተጠቂምካሉ፡ ነቶም ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ዝርከቡ ሕብረተ-ሰብ ክትጸልዎም፡ ከምኡ ድማ እንታይ ዓይነት መሰል ክሕገግ ከም ዘለዎ ኣብ ዝግበር ውሳነ ጽልዋ ከተሕድር ትኽእል።

Hvordan stemme?
Neste tema:
ጾታዊ መዓርነት