ልዕልና ሕጊ

5 / 05

ልክዕ ከምቲ ሕጋጋት ልዑል ሞራላዊ ባህርይ ንምንጋስ ወይ ንምጽናዕ  ዘድልዩ፡ ሞራላዊ ባህርይ እውን ሕጋጋት ንምንጋስ/ንምጽናዕ የድልዩ እዮም።

ነዞም ዘይንደልዮ ነገር ዝገብሩ ወገናት ክንቀጽዖም ንኽእል ዶ?

ስለምንታይ ኢኻ ኖርወይ መሪጽካያ? ልዕልና ሕጊ ኸ ንዓኻ ኣገዳሲ ክብሪ ድዩ? ልዕልና ሕጊ ማለት፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ክውለድ እንከሎ ከም’ቶም ካልኦት ነጻ ኰይኑ ይውለድ፣ መጻኢ ህይወቱ ባዕሉ ክውስን ዘኽእሎ ማዕረ መሰል ድማ ይህሉዎ። ከምኡ እውን ዝዀነ ይዅን ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕቡስ ክዳጐን ኣይክእልን ማለት እዩ፣ ኣብ ኖርወይ፡ ኣብያተ-ፍርዲ ጥራይ እየን ንሰባት ክፈርዳ ስልጣን ዘለወን። ንሕጋጋትን መምርሒታትን ኖርወይ ዝጥሕስ ክሳብ ዘይኰነ፡ ዝደለናዮ ክንዛረብን ዝደለናዮ ነገር ክንገብርን ንኽእል። ዝደለናዮ ብምዝራብናን ዝደለናዮ ብምግባርናን ኣይንቕጻዕን።

ልዕልና ሕጊ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት እውን ሰፊሩ ኣሎ። እንተዀነ፡ ዋላ’ኳ ዝበዝሓ ሃገራት ነቲ ውዕል እንተ ኸተማሉ፡ ብዙሓት ሰባት ብገዛእ መንግስታቶም ወይ ድማ ብገለ ወገናት ሕበረተ-ሰቦም ይግረፉ፡ ኣብ ማሕቡስ ይዳጐኑን ይቕተሉን ኣለዉ። ዋላ’ኳ ዝፈጸሙዎ ገበናት እንተ ዘይብሎም፡ እቲ ዝዛረቡዎ ወይ ዝገብሩዎ ነገራት ባህ ዘይብሎም ሰበ-ስልጣናት ስለ ዘለዉ፣ ወይ’ውን ብምኽንያት መንነቶም ግዳይ ይዀኑ ኣለዉ።

ልክዕ ከምቲ ሕጋጋት ልዑል ሞራላዊ ባህርይ ንምንጋስ ዘድልዩ፡ ልዑል ሞራላዊ ባህርይ እውን ሕጋጋትንምንጋስ/ንምጽናዕ የድልዩ እዮም።  

ኒኮሎ ማኪያቨሊ

ምናልባት በዞም ምኽንያታት እዚኣቶም ተገዲድካ ካብ ሃገርካ ሃዲምካ ዶ ትኸውን፣ ምኽንያቱ ገለ ወገናት መሰልካ ስለ ዝገፈፉልካ። ብዙሓት ካብቶም ሃዲሞም ናብ ኖርወይ ዝኣተዉ፡ ምስ ናይ ኖርወይ ክነጻጸር እንከሎ ካብ ፈጺሙ ዝተፈልየ ኣረኣእያታትን ዝተፈልየ ባህልታትን ዘለዎም ሕበረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ንክብረትን ውርደትን ዝለዓለ ቦታ ካብ ዝህቡዎ፡ ንባህልን ልምድን ልዕሊ ሕጊ ኣብሊጾም ካብ ዝርእዩዎ ሕብረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ክብረትን ውርደትን መለለዪኦም ኣብ ዝዀነ ባህልታት፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ንክብሪ ስድራቤቱ ብዘይትንክፍ ወይ ውርደት ብዘየምጽእ ኣገባብ ተቐይዱ ክኸይድ ጥራይ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ፣ እንተዘይኰይኑ ግን፡ ግዳይ ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ናይ ሕነ መጥቃዕቲ እዩ ዝኸውን። እቲ ከጋጥሞ ዝኽእል ናይ ሕነ ስጕምቲ – ጐነጻዊ ዓመጽ፡ ምግፋፍ ሓርነት፡ ግዱድ መርዓ፡ ወይ ድማ ቅትለት ክኸውን ይኽእል።

ናይ ዘጋጠመካ ውርደት ሕነ ምፍዳይ፡ ኣንጻር ልዕልና ሕጊ እዩ፣ ምስቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ባህርይ ድማ ዘይቃዶ እዩ። ኣብ ኖርወይ፡ ልዕልና ሕጊ ኣዝዩ ጽኑዕ እዩ።

ሓንቲ ካብ ደቅኻ ዓርኪ ዝዀና ወዲ ወይ መሓዛ እትዀና ጓል እንተ እትሕዝ እንታይ ምገበርካ? ሓደ ካብ ደቕኻ/ኣወዳትካ ግብረ-ሰዶማዊ እንተዝኸውን ከ ብዛዕባኡ ከይተሰከፍካ ክትዛረበሉ ምደለኻ ዶ? እንተ ድኣ ግዳይ ምፍርራሕ ወይ ግዳይ ጐነጻዊ ዓመጽ ጌርካዮም፡ እንተድኣ ምስ ኣዕሩኽቶም ከይከዱ ከልኪልካዮምን ኣብ ናይ መዛናግዒ ንጥፈታት ከይሳተፉ ኣጊድካዮምን፡ ኣብ ልዕሊኦም ንመሰሎም ዝግህስ ተግባራት ኢኻ ትፍጽም ዘለኻ። ከምኡ እንተዀይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ንስኻ ኣብታ ክትሃድመላ ዝተገደድካላ ሃገርካ/መበቆል ዓድኻ ከለኻ ዝግበረልካ ዝነበረ ኣገባብ ኣተሓሕዛ/ኣተዓባብያ ኢኻ ተዕብዮም ወይ ትሕዞም ዘለኻ ማለት’ዩ።

ሰባት ንኻልኦት ብልክዕ ክፈርዱ እንተዀይኖም፡ ብዛዕባኦም እኹል ኣፍልጦ ክህሉዎም ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።

ሰግሪድ ኡንድሰት

ኣብ ኖርወይ ኵሉ ግዜ ልዕልና ሕጊ ኣሎ ማለት ኣይኰነን፣ ኵሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኵሉ ግዜ ማዕረ ማለት ኣይኰነን። ልዕልና ሕጊ ውሕስነት እዩ ዝፈጥር፣ እዚ ከኣ ቅድመ-ኲናት ናይ ደሞክራሲያዊ ሕብረተ-ሰብ እዩ። ናይ ምድማጽ/ምምራጽ መሰልካ እንተድኣ ትጥቀመሉ ኰንካ፡ እንተድኣ ኣብ ደሞክራስያዊ ምርጫታት ትሳተፍ ኰንካ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና እንታይ ዓይነት ሕጋጋትን መምርሒታትን ከም ዘድሊ ንዝግበር ዉሳነ ኣብ ምጽላው ተራኻ ከተበርክት ትኽእል ኢኻ።

Hvordan stemme?
Neste tema:
ቈልዓ ምዕባይ