ትምህርት

2 / 05

ወለዲ፡ ደቆም ዘይደልዩዎ ዓይነት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኣብ ልዕሊኦም ጸቕጢ ክገብሩ ይዅን ካብ ትምህርቲ ክሕርሙዎም ብሕጊ ኣይፍቀደሎም እዩ።

ወለዲ፡ ደቆም እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክመሃሩ ከም ዘለዎም ክውስኑሎም ይኽእሉ ዶ?

ስለምንታይ ኢኻ ንኖርወይ መሪጽካያ? መሰል ናብ ቤት-ትምህርቲ ምኻድን ምምሃርን ንዓኻ ኣገዳሲ ክብሪ ድዩ? ኣብ ኖርወይ፡ ቈልዑን መንእሰያትን ትምህርቲ ክመሃሩን መሰሎምን ግቡኦምን እዩ። 15 ዓመት ዕድመ ዝገበረ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዘድልዮ ዓይነት ትምህርቲ ባዕሉ ክመርጽ መሰል ኣለዎ። ወለዲ፡ መንእሰያት ዘይደልዩዎ ዓይነት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ወይ ንኽመርጹ ኣብ ልዕሊኦም ጸቕጢ ክገብሩ ይዅን ካብ ትምህርቲ ክሕርሙዎም ብሕጊ ኣይፍቀዶምን እዩ።

ናብ ቤት-ትምህርቲ ናይ ምኻድን ናይ ምምሃርን መሰል፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰፈረ እዩ። እዚ ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ ኲናትን ድኽነትን ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ሃገራቶም ክመሃሩ ኣይከኣሉን ዘለዉ። ገለኦም ቈልዑ ኣብ ሃገራቶም ግዳይ ምፍርራህ፡ ግዳይ ጐነጻዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ይዀኑ ኣለዉ። እዚ ከኣ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክሳተፉ ዘይደልዩዎምን ብኣንጻሩ ካብ ትምህርቲ ክሕርሙዎም ዝደልዩን ካልኦት ወገናት ስለ ዘለዉ እዩ። ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ገለ ሕበረተ-ሰባት ነዚ ጸገማት እዚ ኣዝየን ዝተቓልዓ እየን።

ትምህርቲ እቲ ዝሓየለ ንዓለም ንምቕያር ክትጥቀመሉ እትኽእል መሳርሒ እዩ።

ኔልሰን ማንዴላ

ምናልባት ካብ ሃገርካ ወጺእካ ክትስደድ/ክትሃድም ዝገበረካ ምኽንያት እዚ ዶ ይኸውን? ምኽንያቱ ገለ ወገናት ንመሰላትካ ዝግህስ ተግባራት ኣብ ልዕሌኻ ስለ ዝፈጸሙ። ብዙሓት ካብቶም ሃዲሞም ናብ ኖርወይ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ምስቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ብምንጽጻር ካብ ፍጹም ዝተፈልየ ኣረኣእያታትን ዝተፈልየ ባህልታትን ዘለዎም ሕበረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ንክብረትን ውርደትን ዝለዓለ ማሕበራዊ ቦታ ካብ ዝህቡዎ፡ ንባህልን ልምድን ልዕሊ ሕጊ ኣብሊጾም ካብ ዝርእዩዎ ሕበረተ-ሰባት ዝመጹ እዮም። ኣብዞም ሕበረተ-ሰባት፡ ማሕበራዊ ደረጃ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ፡ ቈልዑን መንእሰያትን ንስድራቤቶም ጥራይ ዘርብሕ ምርጫታት ክወስዱ እዩ ትጽቢት ዝግበረሎም። እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ዘይቃዶ እዩ። ኣብ ኖርወይ፡ ረብሓታትን ድሌታትን ናይ ውልቀ-ሰባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ወይ ልዑል ግምት እዩ ዝወሃቦ።

ሓንቲ ካብ ደቕኻ መካኒክ ናይ መኪና ወይ ዓራይት መኪና ክትከውን እንተ ትደሊ እንታይ ምበልካያ? ወይ ድማ ካልእ ከም ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ዝውሰድ ስራሕ/ሞያ እንተ ትመርጽ ከ? ወድኻ መምህር ናይ መዋእለ-ህጻናት ክኸውን ወይ ካልእ ከም ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ዝውሰድ ስራሕ/ሞያ እንተዝመርጽ እንታይ ምበልካዮ?

እንተድኣ ካብዚ ዕድላት’ዚ ከልኪልካዮም፡ ወይ ካልእ ዘይደልዩዎ ዓይነት ሞያ ንኽመርጹ ኣብ ልዕሊኦም ምፍርራህ ዝተሓወሶ ጸቕጢ ጌርካሎም ወይ ኣገዲድካዮም፡ ዝደለዩዎ ዓይነት ትምህርቲ ባዕሎም ክመርጹ ንዘለዎም መሰል ኢኻ ትግህሰሎም ዘለኻ። ከምኡ እንተዀይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ንስኻ ኣብታ ንስደት ክትወጽእ/ክትሃድም ዝተገደድካላ ሃገርካ ከለኻ ዝግበረልካ ዝነበረ ኣገባብ ኣተሓሕዛ/ኣተዓባብያ ጌርካ ኢኻ ትሕዞም ዘለኻ ማለት’ዩ።

ንዘይደሊዎ ትምህርቲ ክመርጹ ጸቕጢ ዝግበረሎም መንእሰያት፡ ድርኺቶምን መንፈሶምን ክልቲኡ የጥፍኡ።

ትራይን ሃትለቪክ ሆኒንግስታድ

ኣብ ኖርወይ፡ ወድን ጓልን ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱን ክመሃሩን ኵሉ ግዜ ማዕረ መሰል ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ደቂ-ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ኣብ 1970ታት እየን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፋ ጀሚረን። ትምህርቲ፡ ንምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ዘድሊ ፍልጠት የፈልፍል፣ ከምኡ ድማ ሽግራት ናይ ምፍታሕ ክእለት ዘለዎምን ማንም ሰብ ዘይርእዮ ዕድላት ዝርእዩን ዉልቀ-ሰባት የፍሪ። ማዕረ መሰላት ትምህርትን ዝደለኻዮ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽ ሓርነትን፡ ኣገደስቲ ቅድመ-ኵነት ናይ ደሞክራሲ እዮም። ናይ ምድማጽ/ምምራጽ መሰልካ ብምጥቃምን ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ብምስታፍን ከኣ ነዚ ኣብ ምጽላው ተራ ክህልወካ ይኽእል እዩ።

Hvordan stemme?
Neste tema:
ሓርነት